ኣብ ኖርወይ ከተማ ስታቫንገር ጸረ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘካይዱ ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሕን ነርወጃውያንን ብመኪና ክረግጽ ዝፈተነ ሓደ ዕሱብ ናይቲ ስርዓት፣ ጕዳዩ ብፖሊስ ሕጋዊ መስርሕ ከም ዝሓዘ ጋዜጣታት ስታቫንገር ምግላጸን ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ዳንኬራ ህግደፍ
ብዕለት 13.12.15 ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገር ኣብ ልዕሊ እቲ ብህግደፍ ዝተገብረ ዳንኬራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካዪዶም። ኣብቲ ኖርወጃውያን መራሕቲ ሰልፍን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፉዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኽለ ፈዳይ ዝተባህለ ዕሱብ ህግደፍ ብመኪና ብናህሪ ብምምጻእ ነቶም ደለይቲ ፍትሕን ኖርወጃውያንን ክረግጾም ፈቲኑ። ድሕርዚ፡ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኖርወይ ናብ ተኽለ ፈዳይ ቀሪቡ፡ “ስምካዶ ክትህበኒ፡” ምስ በሎ መልሲ ኣይሃቦን። ደጊሙ፡ “ስምካ ሃበኒ ክሲ ክምስርተልካ እየ። ኖርወይ ዓዲ ሕጊ እዩ፡” ኢሉዎ። እቲ ብጽጋብ ዝተሰንጠቐ ዕሱብ ግን ጠንጢኑዎ ናብ ውሽጢ ኣደራሽ ኣትዩ። ድሕር’ዚ ፖሊስ ተጸዊዖም እቲ ጕዳይ ሕጋዊ መልክዕ ከም ዝሓዘ ኣብ ናይ ሰኑይ ጋዜጣታት ስታቫንገር ተዘርጊሑ። ተኽለ ፈዳይ ሓደ ዕሉል ዕሱብ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ስታቫንገር ብዙሕ ምንድልሓቓት ከም ዝገብር ይንገረሉ። ኣፈኛ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ምስ ጋዜጣ ኣፍተንብላደ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣብ ኖርወይ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣብ ቦታኡ ዘሎ ኮይኑ፡ ገለ ብውልቀመላኺ ዝድግፉ ውድባት ኣብ ጐነጽ ዘድህቡ እንተኾይኖም ግን እቲ ጕዳይ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ምስ ከንቲባ ስታቫንገር ክዘራረብ ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ሓደ ካብ ወደብቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሓው ተወልደ ሃኪን ከም ዝበሎ፡ እቶም ናብ ሰብዓን ሓሙሽተን ዝጽግዑ ሰልፈኛታት ብሰላም ኣብ ኣፍደገቲ ኣደራሽ ከለዉ እዮም ብመኪና ኣሰር ተዳሂኾም ነይሮም። ነዚ ዝፈጸመ ድማ ኣዳላዊ መደብ ተኽለ ፈዳይ ኮይኑ፡ ጋዜጠኛታት ስታቫንገር ብቕንያቱ ከዘራርቡዎ’ኳ እንተፈተኑ ተሸሪቡ ከም ዝቐቐነየ ገሊጾም። ኣብቲ መዓልቲ ውራይ ግን ሰላማውያን ሰባት ክረግጽ ፈቲኑ። ኣብ መደምደምታ ሓላፊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ጨንፈር ስታቫንገር ሙሲገ፡ ከምዚ ዓይነት ድራማዊ ዝኾነ ፍጻሜ ኣይተጸበኹን ኢሉ።
ዓወት ንህዝቢ
ካብ ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገር
but nowadays I don’t see the reason to let it happen . Sometimes to
deal with language they understand can teach a lesson about respect.
These young generation shouldn’t go through same intimidation and fear of the past to silence people from speaking out .
ናብታ ዓደይ ማዕቢላ እያ ዝብላ ኤርትራ ምፍናዉ ጥራይ እየ ዝብል።
enough is enough ab ertra zigebrwo keyakils ab europa kemzi kigber zigerim u.