ኣብ ኖርወይ ከተማ ስታቫንገር ጸረ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘካይዱ ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሕን ነርወጃውያንን ብመኪና ክረግጽ ዝፈተነ ሓደ ዕሱብ ናይቲ ስርዓት፣ ጕዳዩ ብፖሊስ ሕጋዊ መስርሕ ከም ዝሓዘ ጋዜጣታት ስታቫንገር ምግላጸን ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ዳንኬራ ህግደፍ
ብዕለት 13.12.15 ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገር ኣብ ልዕሊ እቲ ብህግደፍ ዝተገብረ ዳንኬራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካዪዶም። ኣብቲ ኖርወጃውያን መራሕቲ ሰልፍን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፉዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኽለ ፈዳይ ዝተባህለ ዕሱብ ህግደፍ ብመኪና ብናህሪ ብምምጻእ ነቶም ደለይቲ ፍትሕን ኖርወጃውያንን ክረግጾም ፈቲኑ። ድሕርዚ፡ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኖርወይ ናብ ተኽለ ፈዳይ ቀሪቡ፡ “ስምካዶ ክትህበኒ፡” ምስ በሎ መልሲ ኣይሃቦን። ደጊሙ፡ “ስምካ ሃበኒ ክሲ ክምስርተልካ እየ። ኖርወይ ዓዲ ሕጊ እዩ፡” ኢሉዎ። እቲ ብጽጋብ ዝተሰንጠቐ ዕሱብ ግን ጠንጢኑዎ ናብ ውሽጢ ኣደራሽ ኣትዩ። ድሕር’ዚ ፖሊስ ተጸዊዖም እቲ ጕዳይ ሕጋዊ መልክዕ ከም ዝሓዘ ኣብ ናይ ሰኑይ ጋዜጣታት ስታቫንገር ተዘርጊሑ። ተኽለ ፈዳይ ሓደ ዕሉል ዕሱብ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ስታቫንገር ብዙሕ ምንድልሓቓት ከም ዝገብር ይንገረሉ። ኣፈኛ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ምስ ጋዜጣ ኣፍተንብላደ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣብ ኖርወይ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣብ ቦታኡ ዘሎ ኮይኑ፡ ገለ ብውልቀመላኺ ዝድግፉ ውድባት ኣብ ጐነጽ ዘድህቡ እንተኾይኖም ግን እቲ ጕዳይ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ምስ ከንቲባ ስታቫንገር ክዘራረብ ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ሓደ ካብ ወደብቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሓው ተወልደ ሃኪን ከም ዝበሎ፡ እቶም ናብ ሰብዓን ሓሙሽተን ዝጽግዑ ሰልፈኛታት ብሰላም ኣብ ኣፍደገቲ ኣደራሽ ከለዉ እዮም ብመኪና ኣሰር ተዳሂኾም ነይሮም። ነዚ ዝፈጸመ ድማ ኣዳላዊ መደብ ተኽለ ፈዳይ ኮይኑ፡ ጋዜጠኛታት ስታቫንገር ብቕንያቱ ከዘራርቡዎ’ኳ እንተፈተኑ ተሸሪቡ ከም ዝቐቐነየ ገሊጾም። ኣብቲ መዓልቲ ውራይ ግን ሰላማውያን ሰባት ክረግጽ ፈቲኑ። ኣብ መደምደምታ ሓላፊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ጨንፈር ስታቫንገር ሙሲገ፡ ከምዚ ዓይነት ድራማዊ ዝኾነ ፍጻሜ ኣይተጸበኹን ኢሉ።
ዓወት ንህዝቢ
ካብ ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገር

Comments

ኣብ ኖርወይ ከተማ ስታቫንገር ጸረ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘካይዱ ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሕን ነርወጃውያንን ብመኪና ክረግጽ ዝፈተነ ሓደ ዕሱብ ናይቲ ስርዓት፣ ጕዳዩ ብፖሊስ ሕጋዊ መስርሕ ከም ዝሓዘ ጋዜጣታት ስታቫንገር ምግላጸን ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ። — 20 Comments

  1. we hear always that the supporters attacks the opposition, why are we always attacked by these cruel and why whilst we are still all refugee,
    • In the past opponents were very few in number to see them attacked
      but nowadays I don’t see the reason to let it happen . Sometimes to
      deal with language they understand can teach a lesson about respect.
      These young generation shouldn’t go through same intimidation and fear of the past to silence people from speaking out .
  2. ነዚ ዝብሃል ዘሎ ሰብ ኣብ ኖርወይ ዘይኮነ ክእሰር ዘለዎ
    ናብታ ዓደይ ማዕቢላ እያ ዝብላ ኤርትራ ምፍናዉ ጥራይ እየ ዝብል።
    • ኣማን ብኣማን ምስታ ብጎይትኡ ንፈዳይ ኣብ እሳተ ገሃነም ተቐይራ ዘላ ኤርትራና ኣዛሚድካ እስርቤት ኣብ ኖርወይ ገነት እዩ።
  3. Enda higdef only understand force and mistreatment that is no respect or politeness shown to them. Whether they are in Norway or in another planet like Mars they still follow the jungle law of wild animals no care or consideration to others. They know their days are limited hence all their desperate and wild acts and panics.
  4. Meneseyat ni higdefin degeftun beti zisemiewo quanka kizarebwom kikielu alewom. ezi wedi ba norway eu zikmet kemti seb kiregtso zihasebe kirgets alewo
    enough is enough ab ertra zigebrwo keyakils ab europa kemzi kigber zigerim u.
  5. Such criminal gang actions are an insult to the law of the land. Criminals must be punished to the extent to revoking their residence permit and deported back to their regime.

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *